ኣብቲ ምስረታ ተበግሶ ዝወሰዳ ማሕበራት
መእተዊ
እዚ ናይ መፅናዕቲ ሪፖርት ብማሕበር ተጋሩ ስዊድን ናይ ዝተመሰረተ ናይ መፅናዕቲ ጉጅለ ስራሕ ሪፖርት ዝሓዘ እዩ። ዋና ዋና ስራሕቲ እቲ ጉጅለ ህልዊ ኹነታት ማሕበረሰብ ተጋሩ ስዊድን፣ ባህግን ድልየትን ተጋሩ ስዊድን፣ ከምኡ እውን ሕሉፍን ህልውን ኣሰራርሓታት ማሕበር ተጋሩ ስዊድንን ካልኦት ኣሓት ማሕበራትን፤ ኣብ ክሊ ሕግን ትካላውነትን ስዊድን ተደሪኹ፤ ናይ ማሕበሰብ ተጋሩ ስዊድን እስካብ ናይ ኣወዳድባ ቕርፅን ናይ ኣሰራርሓን ለውጢን ብምግባር፤ እቲ ማሕበር ህልዊ ምዕባለታት ብዘገናዘበ መንገዲ ድልየትን ባህግን ኣባላቱ ከተኣናግድሉ ዘኽእል ባይታ ንምትዕርራይ ናይ መፍጥሒ ሓሳባት ምቕራብ እዩ::
ምስ እዚ ሪፖርት ነቲ ሓዱሽ ቕርፂ ማሕበር ተጋሩ ስዊድንን ዞባዊ ናይ ተጋሩ ማሕበራትን ከም መልዐሊ ዝኸውን ውዙፍ ሕገ ደንብታት ተተሓሓዞም ኣለው።
እዚ ሪፖርት ዝተወሰነ ክፋል ውፅኢት ናይቲ መፅናዕቲ ንምርኣይ ዝቐረበ ኮይኑ ሙሉእ ናይቲ መፅናዕቲ ሪፖርትን ኣብ ኸይዲ ዝተጠቐመናሎም ፋይላትን ናብ ኣመራርሓ ማሕበረሰብ ተጋሩ ስዊድን ክርከቡ እዮም።
ናይ መፅናዕቲ ጉጅለ ተሳተፍቲ
ነዚ ኮሚቴ ከም መማኸርን ድጋፍ ውሃብን
በቶም ልዕል ኢሎም ዝተረዘርዘሩ ምኽንያታትን፣ ምምዕባል ማሕበር ኢኮኖሚያዊ ባህግናን ንምስኻዕ፤ ኣብቲ ማሕበር ለውጢ ናይ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ንምግባር ኣብ ዝብል ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ኣሎ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ ማሕበር ተጋሩ ስዊድን ናይ ኣወዳድባ ቕርፂ ለውጢ ደኣ ይግበር ኣሎ እምበር፣ ማሕበር ናይ ምፍራስ ወይ ሓዱሽ ማሕበር ናይ ምምስራት ፈፂሙ ኣይኾነን።
ስለ ትርጉም እዞም ዓንድታት ብዙሕ ምባል ኣድላይ ኣይኾነን። ምኽንያቱ ንኹሉ ዘረዳድኡ ወድዓዊ ነጥብታት እዮም። ሓደ ማሕበር ንእሴታቱን ንዓላምኡን እዩ ዝነብር። ዕላማታት ንምስኻዕ እሴታት ብዘይንክእ መንገዲ ምስ ካልኦት ማሕበራት ሓቢሩ ይሰርሕ። ዕላምኡ ኣብ ዝዓፀፈሉ እዋን ወይ እሴታቱ ኣብ ዝረገፀሉ እዋን ሃለዋቱ ኣብ ሕቶ ይወድቕ። ኣባላት እዚ ማሕበር እውን ነዚ ዕላማ ንምስኻዕ በቶም እሴታት ዝኣመኑ ክኾኑ ኣለዎም። ትርጉም እቶም እሴታት እቶም ኣባላት ውልቀ ሰባት ክኾኑ ተለዉን፣ ማሕበራት ከም ኣባላት ክሕቆፋ ተለዋን ፈላሊኻ ምፍላጥ ኣድላይ እዩ።
በዚ መሰረት ዝኾነት ትኹን ናይ ተጋሩ ዞባዊ ማሕበር ወይ ድማ ፍሉይ ድልየት መሰረት ገይራ ዝተመስተት ማሕበር፤ ነዞም ዓበይቲ ዓንድታት እስካብ ዘማለአት ኣባል ክትኮን ትኽእል እያ። ናይ ኣባልነት ኸይዲ ኣፈፃፅማ፤ እታ ማሕበር ናይ ኣባልነት ሕቶ ብምቕራብ ዝጅመር ኾይኑ፣ ኣብ ዘይኣመነትሉ እውን ካብቲ ማሕበር ኣፍሊጣ ክትወፅ እ ትኽክእል። ኣብዚ ኸይዲ ዝህልው ናይ ግቡእ/መሰል፣ ኦዲትን ቑፅፅርን ብሕገ ደንብ እቲ ማሕበርን ሕጊ ስዊድንን ዝፍፀም ይኸዉን። እቲ ማሕበር ነተን ዞባዊ ማሕበራት ንስራሕተን ሰለጤን ዝኾን ኣሰራርሓታትን፣ ናይ ሃፍቲ ምንጭታትን ከም ማእኸል መተሓባበሪ ኾይኑ ይሰርሕ እምበር ነፃነት እዘን ውዳበታት ብዝዳፋእ ኣብ ውሽጠን ኢዱ ኣእቲዉ ክሰርሕ ኣይፍቐደሉን። ክስመረሉ ዝግባእ ኣባአላት ናይዚማሕበር ዝኮና ማሕበራት ሙሉእ ዘይጉድል ነፃነት ዘለወን ብሕገ ደንበን መሰረት ዝንቀሳቐሳን ማሕበራት ኮይነን ክጥንክራ እዚ ማሕበር ይኣምንን ይሕግዝን። እዚ ማሕበር ብግለን ከድመዐኦ ዝፅግመን ጉዳይ ምስ መዘና ማሕበራተረ ኮይነን ዓበይቲ ስራሕቲ ንኽሰርሓ ዕድላት ዝፈጥር መድረኽ (Platform) ድኣምበር ዘለወን ነፃነት ኮነ ኣፍልጦ ዝጉዕፅፅ ኮነ ዝሻመ ክኸውን የብሉን።
ናይ ማሕበር ተጋሩ ስዊድን ሓዱሽ ኣወዳድባ ቕርፂ
ናይ ማሕበር ተጋሩ ስዊድን ናይ ኣፈፃፅማ ቕርፂ